Home Tigrigna ዮሃና ኤርትራዊ ዲሞክራስያዊ ኪዳን ብምኽነያት ርሑስ በዓል ዒድ ኣልኣደሓ

Key Concepts

Custom Code (by JoomlaWorks)

ዮሃና ኤርትራዊ ዲሞክራስያዊ ኪዳን ብምኽነያት ርሑስ በዓል ዒድ ኣልኣደሓ

ኤርትራዊ ዲሞክራስያዊ ኪዳን ንመላእ ህዝቢ ኤርትራ ብሓፈሻ ንኣመንቲ ምስልምና ድማ ብፍላይ እንቋዕ   ናብዚ ርሑስ በዓል ዒድ ኣልኣደሓ ኣብጽሓኩም ይብል። ርሑስ በዓል ዒድ ኣልኣደሓ ንህዝቢ ኤርትራ በዓል ሰላምን ፍቅርን ሕድገታትን ክኸውን፡ ኤርትራዊ ዲሞክራስያዊ ኪዳን ሰናይ ትምኒቱ ይገልጽ።

በዚ ኣጋጣሚ’ዚ ነቲ ኣብ ሃይማኖታዊ ጉዳያት ብምልካዊ ስርዓት ህግደፍ ዝግበር ዘሎ ኢድ ምትእትታው ብምንጻግ፡ ንኣዕናዊ ጸረ ህዝቢ ፖሊሲታቱ ብምቅዋም፡ ሓድነት ህዝቢ ኤርትራ ንምውሓስን ምጥንኻርን ክጽዕሩን፡ ኣብ ሃገርና ሰላምን ፍትሕን ንምስፋን ንዝካየድ ዘሎ ደሞክራስያዊ ቃልሲ ኣብ ምድጋፍ፡ ዕዙዝ ተራኦም ክጻወቱን ይጽውዕ።

 

 

ኤርትራዊ ዲሞክራስያዊ ኪዳን

03 ጥቅምቲ 2014

 

 

Audio - March 10, Afar Radio